ቋንቋ ፈረንሳ ብትግርኛ
ቋንቋ ሃብቲ እዩ
ቋንቋ ርእሰ ተኣማምንነት እዩ
ቋንቋ ሓይሊ እዩ
Start Course
All Courses
ኣጎልግሎት
እዛ ወብ ሳይት ንቋንቋ ፈረንሳ ብትግርና እናተርጎመት እያ ትምህርቲ ትህብ።እቲ ከንዲ ኣቶኪራ ትህበሉ ኣርኣስታት ድማ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ትዘርዚሮም ዝለዉ እዮም።
1 ብዛዕባ ፊደላት ፈረንሳ ኣናብብኦምን ኣደምምጽኦምን
2 ብዛዕባ ሰዋስውን ቃላትን
3 ኣብነት ኣጠቓቕማ ቋላትን ሰዋስውን
4 ብዛዕባ ግስን ሰዓብቱን
5 ብዛዕባ ግስታት ምርባሕን ኣብነቶምን
6 ቃላት ናይ መዓልታዊ ሂወት
7 ዝርርብ
8 ሕቶን መልስን
ነዚ ኩሉ ኩውን ንምግባር ድማ ድምጺ ብኮምፑተር ይንበብ።እዚ ማለት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብቁንቋ ፈረንሳ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ባዕላ ከም ተንብቦ ተጌሩ ኣሎ።ስለዚ ከመይ ይድመጽ ኢልካ ምሽጋር ኣይክህሉን እዩ።ብተወሳኺ ሓደ ካብቲ ዕለማታታ ሓደ ሰብ ከመይ ገሩ ካብዚ ትምህርቲ ቋንቃ ፈረንሳ ከሲቡ ይወጽእ እዩ።ማለት ከመይ ገይሩ ብቕዓት ናይ ምስማዕ ናይ ምዝራብ ናይ ምንባብ ናይ ምጽሓፍ ክእለት የጥሪ።ነዞም ኣርባዕተ ብቕዓት ንኽተጥሪ ድማ ብብዝሒ ልምምድ ምግባር ብመልክዕ ሕቶን መልስን መግለጽን ተዳልዩ ኣሎ።ኣብቲ ትሰርሖ ሕቶታት ድማ ጌጋታትካ ከምትእርመካን መግለጺታት ከመትህበካን ተገሩ ኣሎ።ኣብ ርእስ ዚ ውን ካብ ሚእቲ ክንደይ ከምዘምጻኣካን ሓሊፍካ ዶ ተሪፍካ ከምትሕብር ተገሩ ኣሎ።